ሓፈሻዊ መግለፂ
–
ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ (ኢ/ሞ/ም/ፖ/ት) ብኣዋጅ ቁፅሪ 306/2018 ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተጣየሸ ትካል ኮይኑ፤ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ጉዳያትን ቴክኖሎጅን ማእኸል ዝገበሩ ምርምራት ብምክያድ ኣብ ፖሊሲን ስትራቴጅን ዓሊሙ መፍትሕታትን ምኽርታትን ንመንግስቲ የቕርብ፡፡ ኢ/ሞ/ም/ፖ/ት ብቐንዱ ዝትግብሮምን ዘተሓባብሮምን ምርምራት ምስፋን ሰናይ ምምሕዳር፣ ንምጉልባት ዓውደ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን፣ ምኽታምን ኢንዱስትርያዊ ምዕባለን፣ ምዕባይ ዓቅሚ ወሃብቲ ኣገልግሎታትን እዮም፡፡ ኢ/ሞ/ም/ፖ/ት ኣብ ክልላዊ ኮነ ሃገራዊ መድረኽ መርኣያ ማእኸል ምርምር ፖሊሲን ተዛመድቲ መፅናዕትታትን ኮይኑ ናይ ምርኣይ ባህጊ ኣለዎ፡፡ ጠለባት መሰረት ዝገበሩ መፅናዕትታትን ምርምራትን ማሕበረ ቀጠባዊ ዕዮታት ንምስላጥ ድማ ኣርባዕተ ስትራቴጂያዊ ዘፈርት ዘጠቓለለ እዩ፡፡ ነብሲ ወከፍ ዘፈር እውን ናብ ጉጅለታት ዝተመቐለ እዩ፡፡
